ፀጋታት ቱሪዝም ወረዳ ወርዒ ለኸ

ወረዳ ወርዒ ለኸ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሰብ ዝሰፈረሉ ከባቢ ብምዃኑ ንልምዓት ቱሪዝም ኣገልግሎት ክውዕሉ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ከምኒ ገዳም ማርያም ውቕሮ፣ ቤት ትምህርቲ ማይ ምሻም፣ ገዳም ኣውነ-ፃህማ፣ ሕንዛት፣ እንዳባማስ፣ እንዳ ኣውነ-ገንዛይ ወዘተ ሰፋሕቲ ናይ ቱሪዝም ፀጋታት ዝርከቡላ ወረዳ እያ። ገለገሊኦም ብጨረፍታ ንምርኣይ ዝኣክል

ማርያም ውቕሮ እምባስነይቲ

ምሉእ ብ ምሉእ ካብ ከውሒ ብዘደንቕ ጥበብ ተፀሪቡ ዝተሃንፀን ኣብ ውሽጡ 3 ቤተ ክርስትያናት ዘለዎ ህንፃ ጥንታዊት ገዳም ማርያም ውቕሮ እምባስነይቲ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ኣማኢት ካብ ከውሒ ብዘደምም ጥበብን ቅርፅን ዝተፈልፈሉ ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን ሓንቲ እያ። ቅድስቲ ስፍራ ማርያም ውቕሮ እምባስነይቲ ካብ ከተማ ነበለት ንኣንፈት ምብራቕ 7 ኪ/ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኣርባዕተ (4) ዓበይቲ በርታት 3 ኣብያተ ክርስትያናት ዘጠቓለለት ኮይና ኣብ ውሽጢ እዚ ህንፃ ዝርከቡ ጥንታዊያን ስእልታትን መፃሕፍትን ንዋየ-ቅዱሳትን ዓይኒ ቱሪስት ካብ ዝዓርፈሎም ገሊኦም እዮም። ብዘይካእዚ 44 ጠጠው ዝበሉ ኣዕምዲ ዓይኒ በፃሕቲ ካብ ዝዓርፈሎም ገሊኦም እዮም።

ኣቦ ዓብዮ ሳሊሕ/ ኣቦይ ቃዲ/ዓዲ ተገመስ

እስላም ንኣና ናይ ቀረባ ግዜ ታሪክ ዘለዎ ፀጋ እንተይኮነስ ካብ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ተኸቢሩን ተኸታሊ ኣፍርዩን ዝነብር ሃይማኖት እዩ። ካብ ከተማ ነበለት ን ኣንፈት ሓውዜን ኣብዝወስድ ኣውራ ጎደና ኣብ እትርከብ ዓዲ ኣርጉዲ በቢ ዓመቱ ባሕቲ ታሕሳስ ካብ መላእ ትግራይን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ብ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና እናተራኸቡ ዚራራ (ፀሎት) ዝገብርሉ ዝተቐደሰ ቦታ ኣቦ ዓብዩ ሳልሕ ይበሃል። ኣቦ ዓብዮ ሳልሕ መቦቆል ዘርኢ ሓረጎም ውረድ ተዋረድ ካብ ነብዪ ኣሕመድ ኣብ መበል ተሽዓይ ትውልዲ ከምዝኾነ ይሕብር። ብዝበለፀ ዝድነቕሉ ጎይታ ዘሕደረሎም ፍልጠትን ፍሉይ ኪራማን እዩ። ኣብዚ ኣንዳ ኣቦ ዓብዮ ሳልሕ ዓዲ ኣርጉዲ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ቅዱስ ስፍራ ናይ ባዕሎም መቓብር (ደሪሕ)፣ ጥንታዊ መስጊድን ማይ ዘምዘም (ማይ-ፀሎት) ይርከብ። ምስዚ ዝተተሓሓዘ ካብ ከተማ ዕደጋ-ዓርቢ ንሰሜን 5 ኪ/ሜትር ተጓዒዝካ ዝርከብ ካሊእ ቅዱስ ስፍራ እንዳ ኣቦይ ቃዲ ዝበሃል ከምዘሎ ኮይኑ ብዙሓት ሙስሊማት እቲ ከባቢ ዓመታዊ ዝኽሪ እናገበሩ ዘብዕልዎ ቦታ እዩ።

ጥንታዊ ገዳም እንዳ ገ/መንፈስ ቅዱስ መንከናኸስ

እዛ ገዳም ካብ ከተማ ነበለት ንኣንፈት ሰሜን ከባቢ 10 ኪ/ሜትር ርሒቑ ብተፈጥሮ ፍሉይ ግርማ ሞገስ ኣብ ዝተላበሰ ከባቢ ይርከብ። ኣብዚ ገዳም ብርክት ዝበሉ ጥንታዊያን ቅርስታትን ንዋየ-ቅዱሳትን መፃሕፍትን ይርከቡ። ካሊእ ኣብዚ ገዳም ዝርከብ ካብ ከውሒ ዝተሃነፀ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስ ንቐፃሊ ኣብ ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕትን ኣርኪዮሎግይ ናይ ባዕሉ ዓብዪ ታራ ክህልዎ ከምዝኽእል ይእመን። ኣብዛ ጥንታዊት ገዳም ናይ ሹም እምባስነይቲ ገብሩ፣ ናይ ደግያት ገ/ስላሴ ባርያ ጋብርን ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ብኽብሪ ዓሪፉ ይርከብ።

እንዳ ኣቡነ-ገንዛይ

እዚ ገዳም ካብ ከተማ ነበለት ናንፈት ስሜን ኣብ ከባቢ 4 ኪ/ሜትር ርሕቐት ዝርከብ ኮይኑ ሙሉእ ብ ሙሉእ ካብ ከውሒ ተፀሪቡ ዝተሃንፀ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም ምስቶም ናይ ሃገርና ናይ መጀመርታ ወንጌል ሰባኺ ዝነበሩ ኣውነ ከሳቴ ብርሃን ዝተሓሓዝ ዓርሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ታሪኽ ዘልዎን ክሳብ ሐዚ እዚ ዝበሃል ዳህሳስ ዘይተኻየደሎም ብርክት ዝበሉ ጥንታዊ መረዳእታት ዝርከብዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም ምስ ጥንታዊት ገዳም ኪዳነ-ምህረት ፀፍፀፍ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ስለትርከብ ኣብ ገዳም ኪዳነምህረት ምስ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ታሪኻዊ ቅርስታት ብምትሕሓዝ ዓብዪ ናይ ምርምር ቦታ ክስርሐሉ ዝኽእልን ንበፃሕቲ ድማ ምችው ስፍራ እዩ።

እንዳባማስ

ገዳም እንዳባማስ ኣብ ጣብያ ሰጉሕ ኣብ ፍርቂ እምባ ምሉእ ብምሉእ ካብ ከውሒ ተፀሪቡ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 3355 ዓመተ-ዓለም ብ ዘበነ ንግስና የሓ ከም ምኩራብ ኮይኑ ከገልግል ተሓሲቡ ኣብቲ ዘመን ኣብ የሓ ይነብሩ ዝነበሩ 33 ብፁኣት ከምዝተሃንፀ ይንገር።እዚ ገዳም ብ ዘለዎ መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣ ምስ ሰንሰለታዊ ጎቦታት እንባታትን ሰጉሕ ተኣሳሲሩ ኣብ ዙርያ እቲ ህንፃ ምስዝርከቡ ተፀሪቦም ምስዝተሃነፁ 9 ክፍልታት ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ እቲ ገዳም ዝርከቡ ልዕሊ 300 ብራና መፀሓፍትን ጥንታውያን መሳቕልን ተደማሚሩ እሞ ድማ እዚ ገዳም ካብ ዋና ፅርግያ ዕዳጋ-ዓርቢ ነበለት ዝርከብ ምስምዃኑ ንበፃሕቲ ዓዲ ዘለዎ ምችውነት ዝበለፀ ይገብሮ።

ኣውነ-ፃህማ ገዳም

ኣውነ-ፃህማ ገዳም ኣብ ዙርያ ከተማ ዕደጋ-ዓርቢ ኣብ ኣዝዩ በሪኽ ስፍራ ዝርከብ እንትኸውን ብ ቐንዱ ምስ ፃድቕ ኣባ ኣውነ-ፃህማ ዝተኣሳሰር ናይ ባዕሉ ዝኸኣለ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ብዙሓት ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ጥንታዊያን መሳቕላትን መፃሕፍትን ኣብዚ ገዳም ተዓቂቦም ይርከቡ። ገዳም ኣውነ-ፃህማ ኣብ’ቲ ላዕለዋይ ጫፍ እቲ እምባ ኣብ ፍርቂ-ገደል ካብ ሰብ ተፈልዪ ብ ብሕትውና ክነብር እንከሎ ብተኣምራቱ ርጋፅ እግሩ ኣብ ከውሒ ተሃቲሙ ይርከብ። እዚ ድማ ን ጎብነይቲ ክሳብ ሐዚ ኣዝዪ መመራመሪ ኮይኑ ይርከቡ። ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ቋንቁራ እቲ ገዳም ከም ሰብ ዝሑልን ምውቕን እስትንፋስ እናፈራረቐ ዝሰድድ ኮይኑ ብብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ መድሓኒት መኻንነት ኮይኑ ይርከብ።

ገዳም ኣቡነ ልብድዮስ ማሕበረ ፃዕዳት ሰግሊ (እንዳ ማሕበር)

ገዳም ኣቡነ ልብድዮስ ማሕበረ ፃዕዳት ሰግሊ ወይ እንዳ ማሕበር እናተብሃለ ዝፅዋዕ እንትኸውን እዚ ገዳም ጥንቲ “ሰብኣ-ሰገል” እናተብሃሉ ዝፅውዑ ዝነበሩ ዓሌት (ነገድ) ዝተሓሓዝ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ። ኣብዚ ገዳም ዝርከቡ ጥንታዊ ኣብ ብራና ዝተፅሓፉ መፃሕፍቲ ዘለዎም ዕብየት ተወዳዳሪ የብሎምን። ገሊኦም ካብ 20 -40 ኪ/ግራም ዝምዘኑ እዮም። ካሊእ ኣብዚ ገዳም ዝርከቡ መድነቕቲ ነገራት መዓዝ ከምዝተሰርሐ ዛጊድ ዘይተፈለጠ ምሉእ ብምሉእ ካብ ነሓስ ዝተሰርሐ ክቢ ማሕተም እዩ። እዚ ማሕተም መኣዝ? ብ መን ተሰሪሑ? ንዝብል ሕቶ ዛጊድ ምላሽ ኣይተረከበሉን። ካሊእ ኣብዚ ገዳም ዘሎ ጥንታዊ ቅርስታት ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለን ባዕሎም ኣቡነ-ልብድዮስ ዝሰርሕዎ ወንበርን ፍሉይ ዓይነት ጥንታዊ ምንፃፋትን ይርከብዎም። እዚ ገዳም ባዕሉ ዝኸኣለ እቲ ዘልዎ ኣቀማምጣ ምስ ወርቃምባ ናይ እንስሳት ፓርክ ን ከተማ ማይቅነጣልን ኣብ ቀረባ ስለዝርከብ ንበፃሕቲ ዓዲ ተመራፂ እዩ።

ሕንዛት

ሕንዛት ካብ ከተማ ዕደጋ-ዓርቢ ን ኣንፈት ስሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 10 ኪ/ሜትር ርሒቓ እትርከብ ሓውሲ ናይ መስሕብ ቦታ እያ። ኣብ ሕንዛት ዝወደቑን ጠጠው ዝበሉን ሓወልትታት ይርከቡ። እዞም ሓወልትታት ብ ከመይን መዓዝን ከምዝተሰርሑ ንፁር መረዳእታ ኣይተረኸበሎምን። ኣብ እቲ ከባቢ ጎቦ ዓጓዜን ውሕጅ ኣብ ዝጓሕጎሖ ኣጋህስቲ ወርቅን ናይ ትሕቲ መሬት ቅርስታትን ብተደጋጋሚ ተረኺቦም ኣለው። እዚ’ውን ንስራሕቲ ምርምርን መፅናዕትን ስነ-ምድሪ ከምኡ’ውን ን በፃሕቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ቀልቢ ዝስሕብ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *