ብቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ወ/ወ/ለኸ ዝተዳለወ ብሮሸር

Share it and let your network know!

ብቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ወ/ወ/ለኸ ዝተዳለወ ብሮሸር
ቁፅሪ -1 ኣድራሻ 0343460417 Email፡cultureandtourismwerileke @ gmail.com Likepage፡ cultureandtourismwerileke ልኡኹ (Mission) ታሪኻዊ፣ ባህላውን ተፈጥራውን ሓድግታት ትግራይ ብዝተዋደደ ተሳትፎ ህዝቢ፣ መንግስትንዘይመንግስታዊ ትካላትን ብዘላቕነት ብምዕቃብ፣ ብምልማዕ ፣ብምልላይ፣ ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎትብምሃብን ናብ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓ ብምልዋጥን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ለውጢ ምምፃእ፡፡ ራእይ (Vision) ብዝተዋደደ ልምዓት ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ 2017 ተመራፂት መስሕብ ኾይና ምርኣይ። መእተዊ ዝማዕበላን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናይ ኢኮኖሚ መሰረተን ከከም ሃገሩ ዝፈላለ ምኻኑ ግልፂ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኩለን ዝስማዕማዓሉን ዝግደሳሉን ዋላ እኻዳኣ ከከም ተፈጥራውን ሰብ ስራሕን መስሕብ ትሕዝቶኦን ዝፈላለ ይኩን እምበር ሃፍቲ ትሩዝም ካብቶም ልዑል ጠመተ ዝግበረሎም መሰረተ-ኢኮኖሚ ሓደ እዩ፡፡ ብካልእ ኣገላልፃ ትኪ ኣልባ ኢንድስትሪ ዓይነት ኢኮነሚ እውን ተባሂሉ ይፅዋዕ ስለ ዝኮነ ድማ ከም ሃገርናን ክልልናን ወሲድና እንተሪእና ብቱሪዝም መስሕባታ ናይ ዓለምና መዕረፈ ዓይኒ ኮይና ንረክባ፡፡ በዚ ድማ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጥቅሚ ሃገርናን ክልልናን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ቀሊል ግምት ዘይዋሃቦ ውፂኢት እናተመዝገበ ይርከብ፡፡ ክልልና ድማ በዙይ ዘርፍ the open air museum ብዝብለ ፍሉይ መፀውዒ ትፅወዐሉ ኣጋጣሚ ተረኪቡ እዩ፡፡ ምስ እዙይ ተታሒዙ ናይ ወረዳና ፀጋታት ተፈጥራውን ሃይማኖታውን ቱፊታት ቡዙሕ ዘይተዘረበሎም ግን ድማ ብዙሕ ክዝረበሎም ዝግባእ ንኣብነት ገዳም ማርያም ውቅሮ፣ ገዳም እናዳ ኣውነ ፃሕማ ፣ እንዳ ገብረ መንፈስ ቁዱስ (መንከናክስ)፣ እንዳ ኣባ ማማስ፣ ሓወልትታት ሕንዛት ፣ መስጊድ ዓዲ ኣርጉዲ፣ ገዳም ኣውነ ልብድዮስ(እንዳ ማሕበር)፣ ቤት ትምህርቲ ማይምሻም፣ ካታስ ዝፍለጡን ገና ክፍለጡ መፅናዕቲ ዘድልዮም መስሕባት ቱሪዝም ወናኒት እንትትከውን ካብዚኣቶም ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ስለ መስሕባት ቱሪዝም ወረዳና እኖሆ ክንብል ንፈቱ፡፡ ውቁር ቤተ ክርስትያን ማርያም ውቅሮ ካብ ኣክሱም ብ112 ኪ.ሜ፣ ካብ ሓውዝየን ብ34 ኬ.ሜ ካብ ከተማ ነበለት ድማ ብ7 ከ.ሜ ንኣንፈት ሰሜን ምብራቅ ማይ ነጠባ ኣብ ዝተባሃለ ፉሉይ ቦታ እትርከብ ቅድስቲ ቦታ እያ፡፡ እዚ ገዳም ብዙይ ዘመን ተሃኒፁ ንምባል እካ እንተፀገም ኣብቲ ከባቢ ፉሉይ ሽሙ እንዳራእሲ ጋል ኣማሓዳሪ ትግራይ ዝነበሩ ራእሲ ጉቦ ንግስቲ ማርያም ዝተበሃላ ብፅእቲ ብ203 ዓ/ም ብሕልሚ ከም ዝተገለፀለን ለቃውንት ይሕብሩ፡፡ ጠቅላለ ውሽጣዊ ስፍሓቱ ማርያም ውቅሮ 20.6 ብ10.3 ሜትሮ ኮይኑ ቁሞቱ ድማ 6.9 ሜትር እዩ፡፡ እዚ ገዳም ብፀጋማይ ኣንፈቱ ደቂ ኣንስትዮ ፣ ብማእከሉ ደቂ ተባዕትዮ ፣ ብየማን ድማ ካህናት ዝኣትውሉ ሰለስተ ዓበይቲ ኣፍ ደገ ይርከብዎ፡፡ እንዳ ኣቡነ ፃህማ ንምካድ ብዙሕ ዘፀግም ኣይኮነን ካብ ከተማ ዕ/ዓርቢ 2 ኪ.ሜ ምስተጋዓዝካ ብቀሊሉ ናብቲ ገዳምን መቃብርን ትድይብ ምስ ደየብካ ድማ ብኩሉ ኣንፈት ክትርኢ ከለካ እግሪ እግካ ዝስዕቡ ዝነበሩ ዝመስሉ እምባታት ናይ ገርዓልታ፣ እምባታት ደብረ ዓሳ ፣ ደጋምባ ፣ ምጉላት ፡እምባ ገሊላ ብሕቀት ኣማእኪለምዎ ይርከብ፡፡ ገዳም እንዳ ኣውነ ፃህማ ብደቡብ ኣንፈት ንከተማ ዕ/ ዓርቢ መሰረቱ ገይሩ ከም ዘመናዊ ህንፃ ኣማዕሪግዎ ብኣግራብ ዝተሸፈነን ኣብ ነዊሕ እምባ ዝተመስረተ እዩ፡፡ እዚ ዝሃነፅዎ ድማ ኣብ መዛዘሚ 5ይ ክ/ዘመን ናብ ሃገርና ካብ ዝኣተዉ 9 ቅዱሳን እቶም ብዕድመ ዝዓበዩ ከም ዝኮኑ መረዳእታታት ይሕብሩ፡፡ መቃብሮምን ጥንታዊ ብራና መፃሓፍትን ድማ ኣብቲ ገዳም ይርከብ፡፡ ካልእ ድማ ኣብቲ ከውሒ ብዝተፈላለዩ ኖካል ዝወፁ ሃፈታ (ሙውቅ ኣየር) ስባት እናከዱ ዝዕጠንሉን ንፍወስ ኢና ኢሎም ዝኣምንሉን ሃይሞነታዊ እምነት ከም ዘሎ ይፍለጥ፡፡ ብተወሳኪ እውን ኣብዚ ዝባን ከውሒ ርጋፅ ናይ ኣውነ ፃሕማ ሓደ እግሪ እውን ይርከብ፡፡ ክፋል ሓወልትታት ሕንዛት ሕንዛት ካብ ዕ/ዓርቢ ንኣንፈት ስሚናዊ ምዕራብ 8 ኪ.ሜ ሪሒቃ እትርከብ ናይ መስሕብ ቅርሲ ዘለዋ ታሪካዊት ቦታ እያ ፡፡ ምስ ኣክሱም ዝመሳሰሉ ሓድግታት ቤተክርስትያን ዝርከበላ እንትትከውን ሙሁራን ከም ዝብልዎ ቅድሚ ኣክማዊት ስልጣነ ዝሕብሩ ታሪካዊ ሓድግታት ዝወነነት ቦታ እያ፡፡ ሕንዛት ቅድም ኢሉ ዝነበረ ስልጣነ ሃገርና ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን በቢ ቦትኡ ተበታቲኖም ዝወደቁን ጠጠው ዝበሉን ሓወልትታት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብሰባውያን ዝተፃሓፉ ፅሑፍ ይርከብ፡፡ ኮታስ ሕንዛት ዕሙቅ ዝበለ መፅናዕትን ምርምርን ዘድልዮ ምካኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ገዳም እንዳ ኣባ ማማስ ብርሕቀት እዚ ገዳም ኣብ ከባቢ ነበለት ጣብያ ሰጉሕ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ሻድሻይ ክ/ዘመን ኣባ ማማስ ዘደብረ ቆጥቃጥ ዝባሃሉ ከም ዝስርሕዎ መገልገልቲ እቲ ገዳም ይሕብሩ፡፡ እዚ ገዳም ኣብልዕሊ ነዊሕ እምባ ፅግዕ ኢሉ ካብ ከውሒ ብዘደንቅ ቅርፅን ጥበብን ተፈልልፊሉ ዝተሰርሐ ነነበለት ዝጥምት ኮይኑ ኣብ እግሩ ዘሎ ሰጣሕ ሜዳ ሓለፍካ እምባ መርጎ፣ ቀራፂት እምባ ኣሕፈሮም፣ ጭምዒት ፣ እንዳ መስቀልን ፀድይን ብኣንፈት ምዕራብ ድማ እምባ ላውሳ ተቀሚጡ ብዝወረደ ኣክራናት ጉሸና ዘኣመሰሉ ነቲ ከባቢ ኣማዕሪገምዎ ዝርከብ ፍሉይ ቦታ እዩ፡፡ ኣብተ ገዳም ዕድመ ፀገብ መፅሓፍቲ ብራና ብፉሉይ ጥበብ ዝተቀረፁ መስቀል ዕንፀይቲ ከምኡ እውን ከም መሳኩት ማዕፆ ዝክፈቱን ዝዕፀውን ካብ ኣናእሽተይ ጣውላታት ዝተሰርሑ ምስሊ መላእክቲ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ መንድቅ እውን ዝተፈላለዩ ስእልታትን ካብ እምኒ ዝተሰርሐ ቆቢዕ እቶም ፃድቅ ብቀልዓኦም ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝባሃል ሳእኒ ራያ ዝመስል ጫማን ጥንታዊ መስቀልን ኣብተ ገዳም ዝርከቡ ሓድግታት እዮም፡፡ ገዳም ኣውነ ልብድዮስ (እንዳ ማሐበር) እዚ ገዳም ኣብ ወ/ወ/ለኸ ጣብያ ማእከል ሰግሊ ዝርከብ ኮይኑ ካብ ከተማ ዕ/ ዓርቢ ንምዕራብ ኣንፈት ተጋዒዝካ ኣብ ውሽጢ25 ኪ.ሜ ትርከብ፡፡ እዚ ገዳም ምስ ወርቃምባ ናይ እንስሳ ፓርክ ኣብ ረባ ስለ ዝርከብ ብበፃሕቲ ዓዲ ንምጉብናይ እውን ተመራፂ እዩ፡፡ ኣውነ ልብድዮስ ገዳም ማሕበረ ፃዕዳት እናተባሃለ ዝፅዋዕ እንትከውን ብ1005 ዓ/ም ብሃፀይ ሰስኖስ ከም ዝተመስረተን ዛጋድ እውን ልዕሊ 1003 ዓመታት ከቁፅር ከም ዝከኣለን ናይቲ ከባቢ ለቃውንቲ ይሕብሩ፡፡ መስጊድ ዓዲ ኣርጉዲ ክልልና ትግራይ ወናኒት ማእለያ ዘይብሎም ሓድግታትን ቅርስታት እያ፡፡ ካብኣቶ ውሽጢ ኣብ ዞዋ ማእከል ወ/ወ/ለኸ ከባቢ ነበለት ብኣቦ ኣቢ ሳሊሕ ዝፍለጥ ቅዱስ ቦታ ይርከብ እዚ ቦታ ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ዝተኣሳሰረ ታሪክ ዘለዎ ሓድጊ እንትኮን ኣስታት 500 ዓመት ዕድመ ዘቁፀረ እውን እዩ፡፡ ኣብዚ ቁዱስ ቦታ ዝርከበሉ ኣስታት ብግምት 700 ሜትሮ ርሒቁ ዝርከብ ማይ ዘምዘም ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ እቶም ኣመንቲ ሃይማኖት ዝሕፀቡሉን ዘምልኩሉን ኩነታት ከም ዘሎ ናይቲ ከባቢ ለቃውንቲ ይሕብሩ፡፡

Share it and let your network know!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *