ህይወት ታሪኽ ኣይተ ንዋይ ገ/ኣብ

Share it and let your network know!

ዜና መዋእል ኣቶ ንዋየክርስቶስ ገብረኣብ ቢያድግልኝ

ክቡር ኣይተ ንዋይ ካብ ኣቡኦም ኣይተ ገብረኣብ ብያድግልኝን ካብ ኣዲኦም ወይዘሮ ኢለኒ መንገሻን ጥቅምቲ 17 1934 ዓም ካብ ተጋሩ ወለዶም ኣብ በቲ ግዜ ዝነበረ መፀውዒ ኣውራጃ ዓድዋ ማይ-ምሻም 5-ዝፋን ዝበሃል ፉሉይ ቦታ ተወሊዶም ዓብዮም። ኣቶ ንዋይ ዕሸል ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስበፅሐ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ካዛንችስ ኣስፋወሰን ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ድማ ኣብ ኮተቤ ቀደማዊ ሀይለስላሰ ቤት ትምህርቲ ብ ምክትታል ካብ ክፍሎም ብ ፀብለልታ ኣጠናቒቖም። ኣቶ ንዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ብ ኣዝዩ ዘዕግብ ውፅኢት ብምጥንቓቕ ኣብ 1954 ዓም ብ ዓውደ ትምህርቲ ስነ ቑጠባ ናይ መጀመርያ ድግሪ ካብ ዝተቐበሉ ውሕዳት ኢትዮጵያውያን ሓደ ክኾኑ በቒዖም። ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ህርፋን ስለዝነበሮም ኣቶ ንዋይ ብ 1958 ዓም ሃገረ እንግሊዝ ካብ ዝርከብ ማንቸስተር ዩንቨርስቲ ብ ስነ-ቑጠባ ፖስት ግራጅየት ብተወሳኺ ድማ ብ1975 ዓም ብተመሳሳሊ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ህቡብ ዩንቨርስቲ ኦክስፎርድ ብ ስነ-ቑጠባ ካልኣይ ድግሪ ተቐቢሎም።ካብዚ ብተወሳኺ ኣቶ ንዋይ ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ካልኦት ዓለም ለኻውያን ትካላትን ኣዝዮም ብዙሓት ሰርቲፊከታትትን ምስጋና ወረቐትን ኣግንዮም እዮም። ብዝተተሓሓዘ ጉዳይ ድማ ካብ 1954 ዓም ስራሕ ዝጀመርሉ ዓመት ኣትሒዞም ን ብ ዓሰርተታት ዝቑፀሩ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእተኛታት ትካላትን ኣገልጊሎም እዮም።

ቅዳሕ ምስሊ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ካብ ኢንተርኔት

ካብ 1954-1958 ዓም ኣብ ልምዓት ባንኪ ኢትዮጵያ በዓል ሞያ ልቓሕ ብምዃን ዘገልገሉ እንትኮን ቀፂሎም ድማ ኣብ ፕላን ኮሚሽን ክፍሊ ሕርሻ ተጠባባቒ ሓላፊ ተመዲቦም ን 4 ዓመት ኣገልጊሎም እዮም።ቀፂሎም ድማ ኣብ Middle East Economic Digest (MEED) ማእኸላይ ምብራቕ ኤስያን ለንዶንን ኣብ ዕዳጋን ቢዝነስን ዘድሀበ መፅሄት ኣማኻሪ ኮይኖም ሰሪሖም።ኣብ 1972 ዓም ናይ ሕቡራት መንግስታት UNCTAD ኣብ ዝተብሃለ ትካል ኦፊሰር ስነ-ቑጠባ ኮይኖም ዘገልገሉ ኮይኖም ክሳብ 1975 ኣብ ዘልው 3 ዓመታት ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ትምህርቲ ሳይንስን ባህልን ትካል (UNESCO) ኣብ ሃገረ ሌሰቶ ትምህርቲ ምኒስትር ውሽጢ ናይ ትምህርቲ ትልሚ መማኸሪ ኮይኖም ተመዲቦም ብ ምስራሕ ንኣህጉር ኣፍሪካ ዘለዎም ፍቕሪ ብተግባር ኣርእዮም።

  • 1976-1981 ኣብ ትካል ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ፕሮግራም (UNDP) መማከሪ ስነ-ቑጠባ፦
  • ካብ 1980-1981 ኣብ ውድብ ምግቢ ዓለም (FAO) ቅርንጫፍ ሃገረ ፓፖዎ ኒው ጊኒ ኣብ ግብርናንን ሓይሊ ሰብን ስልጠና፣ ትንተናን ምዘናን ጉጅለ መራሒ፣
  • ካብ 1982-1983 ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ምግቢ ዓለም ጣልያን ሮማ መተሓባበሪ ስልጠና ፖሊሲ ሕርሻ፣
  • ካብ 1984-2008 ውድቀት ስርዓት ደርጊ ተኸቲሉ ኢህወደግ ስልጣን ኣብ ዝሕዘሉ ግዜታት ኣብ ወቕቲ ሽግግር መማኻሪ ፕረዚደንት እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ።
  • ካብ 1988 ጀሚሩ ድማ ናይ ክቡር ቀዳማይ ምኒስትር መለስ ዜናዊ መማኸሪ ስነ-ቑጠባ ኮይኖም ኣብ እዛ ሃገር ዝተፈጠረ ማይክሮ ኢኮኖሚ ናይ ነዊሕ፣ ማእኸላይን ሓፂር ግዜን ስትራተጂ ልምዓት ቐረፃን ገምጋምን ምዘናን ሓያሎ ስራሕቲ ፈፂሞም ዓብዪ ግደ ኣበርኪቶም። ክሳብ ካብ ስራሕ መንግስቲ ብ ጥሮታ ዝተሰናበቱላ ግንቦት 1 2009 ዓም ሸብረኽ ከይበሉ ዘይሕለል ፃዕርን ውህሉል ፍልጠትን ንሃገሮም ብ ትግሃት ኣወፍዮም እዮም።
ማእከለዋይ ኣብ’ቲ ፎቶ ዝምልከት ስእሊ
ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ

ኣብዚ ፈታኒ ግዜ ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ምስ ሃገረ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ሙያዊ ሓላፍነት ብዝግባእ ኣሳኺዖም ጥቕሚ ሃገሮም ካብ ባዕዲ ብፍላይ ድማ ድልየት ምዕራባውያን ተዋጊኦም ቁጠባ ሃገርና እግሩ ክተክል ተዋጊኦም ኣብ እዛ ሃገር ን ዝተርኣየ ዓለም ዘድነቖ ናይ ቑጠባ ለውጢ መሪሖም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተተግበሩ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት ቐረፃ ግምገማን ምዘናን ኣብ ሓላፍነት ኣብ ዝፀንሕሉ ግዝያት ዘሕብን ስራሕቲ ፈፂሞም ብምሕላፎም ብ መሳርሕቶም ንኡድ ሰራሕተኛን ሓላፍን ተብሂሎም ምስጉን መርኣያ ተሰምዮም እዮም። ኣብቲ ወቕቲ እቲ ካብ 1986-1992 ኣባል ቦርድ ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ 1992 ክሳብ 2008 ድማ ኣካቢ ኣመራርሓ ቦርድ ክኾኑ ተሓርዮም ብ ትብዓትን ጅግንነትን ኣገልጊሎም እዮም። ስነ-ቑጠባ ሃገርና ብ ልምዓትን ምርምርን ዝተሓገዘ ንክኾን ብዝነበሮም ሃረርታ ንከርክዑ ኢንስቲትዪት ብምምስራት ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለው ሕሩያት ትካላት ፅንዓትን ምርምርም ፖሊሲ ልምዓት ኢኮኖሚ ኣብቶም ቀዳሞት ተርታ ንኽስለፍ ብዘይካ ግደ ኣቶ ንዋይ ገብረኣብ ዘይሕሰብ ነይሩ። ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ብ ምድሃብ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያታት እቲ ትካል ኣብ ኣውሮፓን ኤሳያን ልምዲ ቀሲሞም ሃገሮም ንከገልግሉ ዕድል ከፊቶም ን ብዙሓት ተጠቀምቲ በሪ ከፊቶም እዮም።ብ ሃገር ደረጃ እውን እንተኮነ ኣብ ምርምር በዓል ሞያታት ብ ዝምልከት ካብ ኩሉም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብዝበለፀ እዚ ትካል ዝለዓለ ኣበርክቶ ንክህልዎ ዕዙዝ ኣበርክቶ ገይሮም።

ካብ 1996-2008 ኢትዮጵያ ብ ምውካል የ ኔፓድ (NEPAD) ኮሚቴ ኣመራር ኣባልን ኣካቢ ብምኳን ኣገልጊሎም። ብተመሳሳሊ ኣፍሪካውያን መንግስታት ኣብ ትሕቲ ኔፓድ (NEPAD) ኣብ ዝተዳለወ ዓርሰ ገምጋም (APRM) ኣብ ዝተመስረተ ጉባኤ ሰብሳብን ኣባልን ኮይኖም ኣገልጊሎም።ካብ 2001 -2005 ዓም ኣፍሪካ ሕብረት ወኪሎም ኣብ ጉጅለ 20 (G-20) ኣኼባታት ብምስታፍ ናይ ዝወከልዎ ኣፍሪካውያን ድምፂ ኣስሚዖም እዮም። ጎና-ጎኒ ድማ ለውጢ ንብረት ኣየር ኣብ ኢትዮጵያ ዘብፅሖ ፅልዋ ዝፃወር ኢኮኖሚ ንክህሉ ዝተቀረፀ ናይ ነዊሕ ዓመት ትልሚን ስትራተጅን ምኒስትራት ኣካቢ ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም።

ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ

ብ ፍላይ ድማ ካብ 2002-2003 ለውጢ ንብረት ኣየር ንምክልኻል ብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተሰዮሙ ቀዳማይ ምኒስትር ኖርወይን ኢትዮጵያን ዝመርሕዎ ትካል ናይ ፋይናንስ ዘርፊ መማኸሪ ኣባል ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ብተዛማዲ ካብ 1995-2002 ናይ ልምዓት ትካላት (Doners committee) ናይ ርዳእታ ኣፈፃፅማ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ኣካቢ ኮሚቴ ካብ 1996-2001 ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንግዲ ውድድር ኮሚሽን ኣባል ኮይኖም ሰሪሖም።
ብዝነበሮም ፍሉይ ክእለት ልዝብ ኣብ ውሰንቲ ጉዳያት ስነ-ቑጠባ ሃገርና ንምምኻር ብ ቀዳማይ ምኒስትር ዝተቛቛመ ኮሚቴ ንቑሕ ተሳታፊ ብምዃን ከምኡ እውን ‘ውህልል ዕዳ ቅነሳ’ ሃገርና ካብ መለቃሕቲ ሃገራትን ትካላትን ንክቕንሱ ካብ ዝሰርሑ ውሕዳት ሰብ-ሞያታት ሓደ ብምዃን ኣብ ሓያሎ ከበድቲ ልዝባት ዓወት ብምምዝጋብ ሃገርና ርብሕ ዝበለት ተጠቃሚት ውህሉል ዕዳ ቅነሳ ክትከውን ኣኽኢሎምዋ እዮም።

ኣይተ ንዋይ ካልኦት ኣመራርሓ ማልት ን ምስ ፈላሞት ተመረቕቲ ኢቴመ

ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስራሕቲ ብሞያ፣ ብገንዘብ ን ብሓሳብን ዝሳተፉ ኣብ ትግራይን ኩነታታን ብ ንጥፈት ዝከታተሉን ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቀላሚኖን ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለን ብምክትታል ኣብ ዝብፃሕ ንክበፅሑ ኣቦ-ኣዊ ምኽሪ ብምልጋስን ናይ ነዊሕ ዓመት ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስትራተጂ ብምቕራፅ ናብ ተግባር ክውዕል ላሕ ዝብሉ ውፍይ ኣቦ ነይሮም። ብተወሳኺ ኣያና ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ናይ ኢንስቲትዩትና ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቀለ(MIT) ቦርድ ኣባል ብምዃን ንነዊሕ እዋን ህዝቦም ኣገልጊሎም እዮም። ኣያና ኣይተ ንዋይ ኣብ ምምስራትን ምጥንኻርን ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርት ቃላሚኖን ቤት ትምህርትና ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቀለን ምስ ካልኦት ብፆቶም ብምዃን ዘበርከትዋ ጥንኩር ኣስተዋፅኦ ኣይርሳዕን።

ኣይተ ንዋይ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጃፓን

ኣብ መውእል ዘመኖም ካብ ዝተሸለምዎም ዓለምለካዊ ኒሻናት ካብ ሃገር ጃፓን ዝተቐበልዎ The highest decoration “Order of rising sun” ዝበሃል ላዕለዋይ ስቪላዊ መዓርግ ዘለዎ ሽልማት እንትኸውን ኣብ እቲ ዝተቐበልዎ ‘ባጅ’ ምልክት ጩራ ብርሃን ፀሓይ ዝተነደፈሉ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ዕውት ስራሕቲ ከም ጩራ ፀሓይ ንጉሆ ዘመልክት፣ ብ ዘርኣይዎ ልኡም ናይ ስነ-ቑጠባ ፍልጠትን ን ኢትዮጵያ ዘበርከትዎ ኣገልግሎትን ከምኡ ኢሉ ድማ ስርዓት ካይዘን ኣብ ኢትይጵያ ንክሰርፅ ብዘመዝገብዎ ናይ መዋእል ዓወታት ኣፍልጦ ንምሃብ እዩ።

ክቡር ኣቶ ንዋይ ብዙሓት ስነ-ቑጠባ ኢትዮጵያ ዘድሀቡ ፅሑፋት ዝፀሓፉ እንትኾን ካብ ኣርባዕተ ዘይንእሱ ብዛዕባ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝምልከቱ ፅንዓታዊ ፅሑፋት ኣሐቲሞም እዮም።
ድሕሪ ካብ ስራሕ መንግስቲ ብ ጥሮታ ምግላሎም “ኣፈፃፅማን ኣንፈታት ልምዓት ስነ-ቑጠባ ኢትዮጵያ” ዝብል መፅሓፍ ኣሰናዲኦም ኣብ መደምደምትኡ ኣብፂሖም እዮም። ስለ ዕብየት ትግራይን፣ ርኡይ ለውጢ ሓረስታይ ትግራይን ብ ቐረባ ንምክትታልን ምሉእ ንምሉእ ኣብ ቀረባ ኮይንካ ንምሕጋዝ ብምባል ጠቕሊሎም ናብ ትግራይ ብምእታው ንምስራሕ ኣብ ዝርርብ እናሃለዉ ብ ዝሓደሮም ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ 78 ዓመቶም ካብ’ዛ ዓለም ብ ሞት ተፈልዮም። ን ነብሰ ኈር መንግስተ ሰማያት የዋርስ።

Share it and let your network know!

2 thoughts on “ህይወት ታሪኽ ኣይተ ንዋይ ገ/ኣብ”

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *